ጉዕዞ ሂወት ታሪኽ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ዝዕቀበሉ ቤተ መዘክር ንምህናፅ ዝዓለመ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

ካብ ማይ ብሓ ክሳብ መተማ !!
ጉዕዞ ሂወት ታሪኽ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ዝዕቀበሉ ቤተ መዘክር ንምህናፅ ዝዓለመ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።
ኣተሓባበሪ ኮሜቴ እቲ ፕሮጀክት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም ኣለው ።
መልፋ ደብረ ብቁዔት ቅድስት ማርያም ፕሮጀክት ቤተ መዘክር(ሙዝየም) ሃፀይ ዩውሃንስ መስርሒ ኮሚቴ ታሪኽ ቅርስን ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዩውሃንስ ራብዓይ ንምዕቃብ ካብ ማይ ብሓ ክሳብ መተማ ብዝብል መሪሒ ሓሳብ ክስነድን ቤተ መዘክር ንምህናፅ ምድላው እናተወገነ ከምዝርከብ ተገሊፁ።
ነቲ ፕሮጀክት ንምጅማር 25 ሰነ 2015 ዓ/ም ኮሚቴ ተጣይሹ ባሕቲ መጋቢት 2016 ዓ/ም ሰብመዚ መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝተረኸብሉ እምነ ኩርናዕ ከምዝተነበረ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ይገልፁ ።
ነቲ ፕሮጀክት ናብ ተግባር ንምእታው ካብ መልፋ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ 46 ሰባት ዝሓዘ ኮሚቴ ከምዝተጣየሽን ደረጃኡ ዝሓለወ ሙዝየም ንምህናፅ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ እቲ ኮሚቴ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ፕሮጀክት ህንፀት ቤተ መዘክር ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣብ ድብረ ብቁዔት ቅድስት ማርያም መልፋ ንምህናፅ ካብ 45 ክሳብ 50 ሚልየን ቅርሺ ከምዝሓትት እቶም መተሓባበሪ ኮሚቴ ሓቢሮም ።
ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ሓድግታቶምን ንገዳማትን ኣብያት ክርስትያናት ዘበርከትዎም ሓድግታት ብኣግባቡ ተዓቒቦም ከምዘይርከቡን ኣብ ምብልሻው ከምዝርከቡ ድማ ተሓቢሩ።
ታሪኽ ኣያታትና ብምዕቃብ ድሕረ ታሪኽን ባይታናን ፈሊጥና ንቕድሚት ንምስጓም ኢሉ እውን ፍልፍል ታሪኽን ምርምርን ኮይኑ ክቕፅል ታሪኽ ምዕቃብ ናይዚ ወለዶ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።
ምክትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወ/ሮ ዘነቡ ሓለፎም ብወገነን ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ስልጣን ንበይነይ ዘይብሉ በብከባቢኡ ንዝነበሩ ሹመኛታት ዘሳትፉን ዘካፍሉን ከምዝነበሩን ስርዓት ፌደራሊዝም ዘተኣታትው ከምዝኾኑ ገሊፀን።
ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ገዳማት፣ መሲጊዳት ከምዝሃነጹ ከምኡ እውን መነባብሮ ማሕበረሰብ፣ ከተማታት እንታይ ክመስላ ከምዘለዎንን ኣካኣኢሎም ዝምርሑ ከምዝነበሩ ድማ ኣዘኻኺረን።
ገዘፍትን ዓበይቲ ፍፃመታትን ዝወገኑ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ታሪኽ ብኣግባቡ ክንድቲ ዝሰርሕዎ ከምዘይትዓቀበን ክምዘይተሰነደን ወ/ሮ ዘነቡ ሓለፎም ገሊፆን ።
ብምዃኑ ድማ ነዙይ ፕሮጀክት ንምህናፅ ኩሉ ትግራይዋይ ብቢ ዓቕሙ ክሳተፈሉ ይግባእ ክብላ መልእኽተን ኣሕሊፈን።
እቲ ዝህነፅ ቤተ መዘክር ኣብ ትውልዲ ዓዲ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይን ዝተጠመቕሉን ዝዓበይሉን ቤተ ክርስትያን ድብረ ብቁዔት ቅድስት ማርያም መልፋ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ዝርከቡ ቅርስታት ንምዕቃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።
ናይቲ ፕሮጀክት ዲዛይን ብዩኒቨርስቲ መቐለ ከምዝተሰርሐ ድማ ተገሊፁ።
እቶት ንምትእኽካብ ድማ ቴሌቶን ከምኡ እውን ኩሉ ትግራዋይ ብብዓቕሙ ዝሳተፈሉ መሽጣ ካርዲታት እውን ከምዝካይድ እቲ መተሓባበሪ ኮሜቴ ገሊፁ።
# ፈይሰል ሙስጦፋ