ብቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዝተዳለወ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብዚ መድረኽ ዝተፈላለዩ ዝኽሪ 11 ለካቲት ዝድህስሱ መፅናዕታዊ ጽሑፋት ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር።
ኣብዚ መድረኽ ንምክትል ፕረዚደንት ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ሓዊሱ ፣ሓለፍቲ ካቢኔ ሴክሪታሪያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ነበራት ተጋደልቲ፣ ወከልቲ ፓለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ምሁራትን ካልኦት ዑዱማትን ተረኺቦም።
” መንእሰይ ትግራይ ወለዱ ዝሰርሕዎ ፅቡቕ ስራሕ ብምሓዝ ዝተሰርሑ ጌጋታት ብምእራም ተስፍኡ ከለምልም ይግባእ ” ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ
መንእሰይ ትግራይ ወለዱ ዝሰርሕዎ ፅቡቕ ስራሕ ብምሓዝ ዝተሰርሑ ጌጋታት ብምእራም ተስፍኡ ከለምልም ይግባእ ክብሉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም ። እዚ ዝተገለጸ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ዝተዳለወ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘለሉ መድረኽ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘስምዑ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤መንእሰይ ትግራይ ኣያታቱ ዝሰርሕዎ ፅቡቕ ስራሕ ብምሓዝ ዝተሰርሑ ጌጋታት ብምእራም ተስፍኡ ከለምልም ከምዝግባእ ኣመላኺቶም። ጀነራል ፃድቃን ፣መናእሰይ ኣብ ምእራም ጌጋታት ወለድኹም ክተተኩሩ እምበር ብዝተሰርሑ ጌጋታት እናወቀስኩም ግዘ ክተሕልፉ ኣይግባእን እውን ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ደላይ ሰላም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ሰላም ክበሃል ከሎ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከይፈርስ ምጥንቃቕ ፣ሰላም ማለት ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምድጋፍ፣ሰላም ማለት ተወዲብና እቲ ውዕሊ ብሙሉእነት ምትግባር ምዃኑ ኣረዲኦም። ሰላምናን ሓድነትናን ዝጠናኸር መንግስቲ ክህሉ ከሎ እዩ ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን፤ሓድነትናን ሰላምናን ንሓሉ ክበሃል ከሎ ፕሪቶርያ ዝፈጠሮ ግዝያዊ መንግስቲ ብምድጋፍ ብሙሉእ ዓቕሚ ነቲ ውዕሊ ክፍጸም ምስራሕ ማለት ምዃኑ ገሊጾም።
ኣያታትኩም ዓቐን ዘይብሉ ጅግንነት ሰሪሖም እዮም ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን፣ ኮነ ተባሂሉ ዝተሰረሐ ጌጋ ከምዘየለን ብዘይፍላጥ ንዝተሰርሑ ጌጋታት መንእሰይ ወለዶ እናኣረመ መፃኢኡ ከጣጥሕን እውን ኣመላኺቶም።
# ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር

