ምረቓ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ሓወልቲ ዶ/ር ዘርኡ ገብረሊባኖስ

ምረቓ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓወልቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ

ብፍልጠትን ክእለትን ዝተምሃረ ብቑዕ ዜጋ ንምፍራይ ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ይግባእ ኢሎም ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት።

እዚ ዝተገለፀ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓወልቲ ብብዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ዝፀነሐ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓወልቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ እንትምረቕ እዩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቃ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፣ነበርትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኪቦም እዮም።

ኣብቲ እዋን ተረኪቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ሚሽጥር ዓወትና ሓድነትና ሰለ ዝኾነ ሕዚ እውን ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ከስጥምን ኣፈላላያቱ ብዘተን ብሰላምን ክፈትሖ ይግባእ ኢሎም።

በሰንኺ ወራር ፅንተት ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዓንየንን ተጓሒለንን እየ ዝበሉ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ እስማዒል ዓብደርሑማን ነዚኤን መሊስኻ ንምሕዋይ ዝሓሸ ግልጋሎት ትምህርቲ ንክህሉን ሰብ ሃፍቲ ዝገብርዎ ዘለው ኩለመደያዊ ሓገዛት ብምምስጋን ኣበርቲዖም ክቕፅሉሉ ፀዊዖም ።

ነቲ ቤት ትምህርቲ መጀመሪ ዝኸውን ብልዕሊ 1.2 ሚሊዮን ብር ዝተዓደጉ ዝተፈላለዩ ናውቲታት ቢሮ ትምህርቲ ሓገዝ ገይሩ ኣሎ።

ብዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብግደኦም እዚ ሕጂ ሃኒፀ ዘረክቦ ዘለኹ ቤት ትምህርቲ ውፅኢት ብርሃን 11 ለኻቲት ሰለ ዝኾነ ንቐፃሊ እውን ኣበርቲዐ ክቕፅለሉ እየ ክብሉ ኣረጋጊፆም።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ አይተ ሃፍቶም ሓጎስ እዚ ንምርቃ በቂዑ ዘሎ ሓፈሻዊ ካልኣይ ምህርቲ ተምሃሮና ንተምሃሮና ኣዝዩ ወሳንን ዝነበሮም ፀገማትን ዝፈትሕ እዩ ኢሎም።

#ወልደምህረት ገዛኢ