ክብርታት ገድሊ

” ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ስማእታትና ኣብዚ ብርኪ ክንበፅሕ ዘኽኣሉና ስለዝኾኑ እዩ ፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ሰራሕ ምጅማርና ክብርን ሞጎስን ንስማእታትና እናበልና እንጅምር “

ተጋዳላይ ነጋሽ ሕሉፍ

ስውኣትና ካብ ቤተስቦም ወፂኦም በጃ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾኑ እዩ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ስራሕና ንዝኽሮም ፡ ንህላውና ኢሎም ክቡር መስዋእቲ ስለዝኸፈሉ ኢሉ ተጋዳላይ ነጋሽ ሕሉፍ ።

ድምፂ ወያነ ትግራይ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ክብርታት ሕሉፍ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይን ውርሻታቱን ኣመልኪቲ
ተጋዳላይ ነጋሽ ሕሉፍ መበገሲ ፅሑፍ ኣቕሪቡ።

ተጋዳላይ ነጋሽ ክብርታት ትግራይ ተቖፂሮም ኣብ ሓደ ዝተጠቓለሉ ኣይኮኑን ብምባል ክብርታት ትግራይ ተደሚሮም ተፀኒዖም ኣብ ካሪክለም ትግራይ ኣትዮም ሓዱሽ ወልዶ ክመሃረሎም ፡ ክህነፅን ክውስንን ክግበር ይግባእ ድማ ኢሉ።

ክብርታት ምስ ንዋይ ዝዳረጉ ኣይኮኑን ዝበሉ ተጋዳላይ ነጋሽ ሕሉፍ ኩነታት እንትሓምቕ ምስ ኣታውን ውጻእን እንግብጦ ኣይኮነን ነዙይ እዩ ተጋዳላይነት ምስ ምንኩስና ኣተሓሒዝና ንገልፆ ዘለና ኢሉ ።

ክብርታት ገደሊ ኣብ ኣርባዕተ መሰረታዊ ክብርታት ከፊሉ ዘቕረበ ተጋዳላይ ነጋሽ ንሳቶም ድማ ጅግንነት ምሽጢር ምዕቃብ፣ ብሄራዊ ምትሕልላይን ህዝባውነትን
እዮም ክብል ገሊፁ።

ጀግንነት ምስ መትከላውነት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ዝሓበረ ተጋዳላይ ነጋሽ ክብርታት ገድሊ ካብ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዓበይቲ ክብርታት እዩም ዝብገሱ ምሽጥር ምዕቃብ ናይ ህዝቢ ትግራይ ክብሪ እዩ ኢሉ ።

ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮ እዩ ። ኣብ ትግራይ ዝሓለፉ ውግኣት ደማዊ እዮም ነዙይ እዩ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ዝፅየፍ ኢሉ ።

ጅግና ዓዲ ሸተት ከይትብሎ ፣ ብሄራዊ ሓድነት ከይስበር፣ ዓዲ ከይስእን ፣ ናብ ባርነት ክይምለስ እዩ ዝሰግእ ድማ ኢሉ።

ካሊእ ክብሪ ገድሊ ህዝባውነት እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ነጋሽ ሕፅር ብዝበለ ፡ ሓድነት ፣ሓባራውነት ፣ ንህዝቢ ምቕዳም ማለት እዩ ኢሉ ።

እታ ንእሽተይ ህዶሞ ኣብ ዓብይ ናይ ትግራይ ኣዳራሽ ምእታው ማለት እዩ ፡ እቲ ዓብይ እተተሰይሩ እታ ንእሽተይ የላን ከም ማለት እዩ ኢሉ ።

ተጋዳላይ ህዝባዊ ዝኾነሉ ድማ በዚ ብምኽንያት እምበር ብኣጋጣሚ ከምዘይኾነ ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ብጽኑዕ ስነ ስርዓት፣ ዲስፒሊን ዝምራሕ እዩ ሕጊ ፣ ሽምግልና ፣ ስነ መንግስቲ ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ ድማ ይብል ።

ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ፣ ብሄራዊ ምትሕልላዩ ከይስዓር ገይርዎ እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ነጋሽ ፣ ብሄራዊ ምትሕልላይ ፣ ሕውነት ፣ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ፅናሕ ዝበለ እዩ እዙይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብፀላእቲ ከይስዓር ገይርዎ እዩ ኢሉ ።

ህዝቢ ትግራይ እዞም ክብሪታት ንስላማዊ ቃልሲ ንልምዓት እዩ ዝደልዮም ዝበለ ተጋዳላይ ነጋሽ ንዝገጥምዎ ሓደጋታት እውን ግን ይከላኸለሎም እዩ ክብል ገሊፁ ።

ህዝቢ ትግራይ ዝገርም ማሕበራዊ ስብእና ዘለዎ ህዝቢ እዩ ብምባል ኣብዚ ሕዚ እዋን ስልጣን ናይ ወሃቢ ተይኮነስ ናይ ተቐባልይ እዩ ኮይኑ ዘሎ ክብል ገሊፁ ።

ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ዘካየዶ ቃልሲ ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ ባዕሉ ብዝመረፆም ክመሓደር ከምዝኾነ ድማ ኣገንዚቡ።

ተስማዕነት ካብ ሓድነት እዩ ዝፍልፍል ዝበለ ተጋዳላይ ነጋሽ ኣብ ትግራይ ከም ኩናት ተጋሩ ክንፈርሕ ዘለና ከባቢያውነት እዩ ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ሓድነቱ ፣ ድሕንነቱ ክሕለው ይግባእ ሉኣላዊ ግዝኣትና ዝተመዛበለ ህዝብና ምምላስ ፣ግዝኣታዊ ሓድነትና ምርግጋፅ ፣መሰል ዓርሰ ውሳነኡ ቀይሕ መስመርና ክኸውን ይግባእ ድማ ክብል ኣስሚሩሉ ።

ብዋጋ ዕዳጋ ዘይግመት ሂውቱ ዘወፈየ ተጋዳላይ ክንከላኸለሉን ክኽበርን ድማ ይግባእ ኢሉ ።

ስላምን ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክሕለው እንተኾይኑ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ክኽበሩን ካብ ዝበፅሖም መጥቃዕቲ ክንከላኸለሎም ኣለና ።

ፅልዋ ፈጠርቲ ዝብሃላ ትካላት ከም ሚዲያ ፣ ስነ ኪነት ናይ ንግዲ ማሕበረሰብ ብእዋኑ ግብሪ ምኽፋል፣ ቤተስብ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ክዕቀቡን ናብ ወለዶታት ክመሓላለፉ ክስራሕ ድማ መልእኽቱ ኣሕሉፉ ።

# ፈይሰል ሙስጦፋ