እዚ ዕለት ኣብ ታሪኽ – ሓየሎም እንትዝከር

ድምፂ ወያነ፡ 6 ለካቲት 2017
ሓየሎም ኣርኣያ !!
ሓዱሽ ናይ ገዛ ስሙ እዩ። ሓየሎም ኢላቶ ገሊ። ከም ስሙ ንሱ ዘይወዓለላ እሞ ድማ ዘይተዓወተላ ዓወደ ኲናት ዳርጋ የላን።
ካብ ጫፍ ምዕራብ ክሳብ ዓፋር፣ ካብ ደቡብ ክሳብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ቀላሳይ ተባራዓይ ወያነ ህዝቢ ነይሩ።
ሓዱሽ ኣርኣያ/ሓየሎም/ ሰነ 24/1948 ዓ/ም ወጋሕታ ካብ ኣብኡ ደጃዝማች ኣርኣያ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ሮማን ኣየነው ኣብ ዓዲ ነብሪኢድ ተወሊዱ።
ዕድመ ቁልዕነቱ እናደፈአ እንትኸይድ 1ይ ብርኪ ትምህርቱ ካብ 1955 ክሳብ 1961 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ፣ 7ይን 8ይን ድማ ካብ 1962 ክሳብ 1963 ዓ/ም ኣብ ሽረ/እንዳስላስ/፣ ቀፂሉ እውን 9ይን 10ይን ድማ ካብ 1964 ክሳብ 1965 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ እንትምሃር 11ን 12ን ክፍሊ ድማ ካብ 1966 ክሳብ 1967 ዓ/ም ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሰባ ዛዚሙ።
ሰሓቅን ቀላድን ብሓደ ገፅ ተሪርን መሪርን ብካልእ ገፅ፡ ተዋጋእን ኣዋጋእን ብሓደ ገፅ መራሕን ፖልቲከኛን ብካልእ ገፅ ፡ ምዓል ምሕዳሩ ሕቁፎ ህዝቢ ኣብ ልቢ ተጋዳላይ ዝኣተወ ፍቑር ፍጥረት ሓየሎም ኣርኣያ ።
ሓየሎም ካብ ቀደሙ ወፅዓ ዘይፈቱ ስብ እንትብደል ምርኣይ ኣዚዩ ዘሰክሖ ነገር እዩ።
ብመሰረት እዚ ድማ ልክዕ ከምታ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተወለደላ ኣብ ወርሒ ሰነ 1967 ዓ/ም ምስ ወዲ ሓፍቱ ብርሃነ መስቀል ብሙዃን ገና ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ እንዳሃለወ ንምግዳል ደደቢት ወሪዶም።
እዞም ክልተ ጀጋኑ ናብ ደደቢት እንትወርዱ ሓየሎም ናይ ኣብኡ ደጃዝማት ኣርኣያ ብረት ብርሃነ መስቀል እውን ብወገኑ ናይ ኣኩኡ ኣይተ ፍቕረ ኣርኣያ ብረት ተዓጢቆም እዮም ናብ ወድብ ተፀምቢሮም።
ሓየሎም ድሕሪ እቲ ዝተወሃቦ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ስልጠና ከም ታራ ተዋጋይ ኮይኑ ተመዲቡ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ጥንካረን ወነን ሓየሎም እንዳሓየለ እንትኸይድ ዝተዓዘቡ መራሕቲ ውድብ ንሓየሎም ጠመተ ገበሩሉ። በዚ መሰረት፡
1. ካብ የካቲት ክሳብ ሰነ 1968 ዓ/ም ምኽትል መራሒ ጋንታ ኮይኑ
2. ካብ ሓምለ 1968 ዓ/ም ክሳብ ሕዳር 1969 ዓ/ም ኣብ ሓይሊ 11 ሙሉእ መራሒ ጋንታ ኮይኑ
3. ካብ ታሕሳስ 1969 ዓ/ም ክሳብ 1970 ዓ/ም መጀመሪያ ፈለማ መራሒ ሓይሊ 11 ዳሓር ድማ መራሒ ሓይሊ 73 ኮይኑ
4. 1971 ዓ/ም ድማ ፈለማ መራሒ ቦጦሎኒ 50 ዳሓር ድማ መራሒ ቦጦሎኒ 30 ኮይኑ
5. ክረምቲ 1971 ዓ/ም 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ማይኣባይ እንትካየድ መራሒ በርጌድ 542 ኮይኑ
6. ብ1975 ዓ/ም ኣብ ተከዘ አብ ዝተኻየደ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣባል መሪሕነት ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኑ ።
ሓየሎም ካብ 1968 ዓ/ም ጀሚሩ ውድብ ምስ ኢድህ፣ ኢህኣፓ፣ ጀብሃን ከምኡ ድማ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ውራራት ደርጊ ኣብ ዝገበረቶም መረርቲ ግጥማት ንባዕሉ ኣብ ዓውደ ኵናት ኣቲዩ እንዳተዋገአን እንዳዋገአን ዓብይ ጅግንነት ፈፂሙ እዩ።
ሓየሎም ኣብዞም ፈተንቲ መድረኻት ብዘመዝገቦ ወታድራዊን ፖለቲካዊን ብቕዓት ኣብቲ 1975 ዓ/ም ኣብ ተከዘ ዝተኻየደ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣባል መሪሕነት ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኑ ተመሪፁ። እቲ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ሓላፍነቱ ክሳብ 1987 ዓ/ም ተሰኪሙ ጉቡኡ ተዋፂኡ እዩ።
ኣብ 1975 ዓ/ም ምስ ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ብምዃን ክሳብ 1978 ዓ/ም ናይ ርጅን 3ተ ወታድራዊ መራሒ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ሓየሎም ካብ ዝተሳተፈሎም ወሰንቲ ግጥማት
1. ኣብ መቐለ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ዘደንቕ ስርሒት ካብ ምሕንፃፅ ጀሚሩ ክሳብ ተግባር ዝተዋስአ ጅግና።
2. ብ1980 ዓ/ም ብናይ ህወሓት ተበግሶ ኣብ ሙጉላትን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተገበሩ መጥቃዕቲ
3. ብ1980 ዓ/ም ኣብ ምድምሳስ 604 ኮር ንትግራይ ሓራ ኣብ ምውፃእን ንደርጊ ዘዛብዐን ጅግና
4. ኣብ ወፍሪ ሰላም ብቓልሲ ካብ ክሳድ ጉዶ ክሳብ ሰሜን ሽዋ ነፃ ዝገበረ
5. ን20 ኣዋርሕ ግንባራት ሃይቅን ሰሜን ሽዋን ንፋስ መውጫን ጋይንትን ወገራ ዘየቋረፀ ውግእ ዝመረሐ ዝተዋገአን
6. ብወፍሪ ቴድሮስ ንጎንደርን ጎጃምን ሓራ ዘውፅአ
7. ወፍሪ ቢሉሱማ ወልቂጡማ ካብ ወለጋ ክሳብ ኣምቦ ሓራ ዘውፅአ
8. ወፍሪ ዋለልኝ ካብ ሃይቅ ክሳብ ደብረ ብርሃን መላእ ከባቢታት ሰሜን ሽዋ ሓራ ዝገበረ
9. ወፍሪ ወጋገን ኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ዝተኻየደ ውግእ ዝተኻፈለ
10. ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ምቁፅፃር ናብ ጅጅጋ ሱማል ሃረር
ድሪዳዋ ድቡብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዶብ ሶማልያን ኬንያን ሱዳንን ዝተበታተነ ሰራዊት ደርግ ኣብ ምእራይ ዝተኻየዱ ግጥማት መሪሑ ዘዐወተ።
ሓየሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ግጥማት 7 ጊዜ ተወጊኡ እዩ። ግን ዕጥቁ ፈተኽ እንተይኣበለ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ደው ኢሉ ዝተወሃቦ ዕማማት ኣብ ምፍፃም ይጓየይ ነይሩ ።
ድሕሪ ሰላም ፀላም ምስተቐንጠጠ ፈረ ደም ኣሽሓት ምርኣይ በቂዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሓደ ውልቀ ሰብ ብዝተተኮሰ ጥይት ቅድሚ 29 ዓመታት ከምዛ ዕለት 6 ለካቲት 1988 ዓ/ም ተሰዊኡ!
መቓብር ጅግና ልቢ ሓፋሽ እዩ!
# ካብ ማህደር ድወት