ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝፀውዖ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ካብ ፌስቡክ ገፅ ዝተወሰደ ፦

ኣብዚ ብሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝተፀውዓ ሰላምዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሉ ወገናት “ውሳነ ቤት ፍርድን ቢሮ ትምህርትን “ክትግበርን ዝፅውዑ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ብምግዋሕ ድምጾም እናስምዑ እዮም ።

ፕሬዝደንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ አደም ዓብዱልቃድርን ዋና ፀሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ ሓጂ ሙሓመድ ካሕሳይን፤ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ”ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 2ተ ኣዋርሕ ናብ ቢሮ ትምህርትን ናብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ኣክሱምን ክልተ ሰለስተ ግዜ ደብዳበታት እንተተፀሓፈ ለውጢ ስለዘይመፀ ውሳነ ቤት ፍርድን ቢሮ ትምህርትን ዘተግብር ስለዝሰኣና ናብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣቲና ኣለና” ኢሎም ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ 8 ጥሪ 2017 ዓ/ም ናብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ “ነቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገምን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ወረዳ ኣብያተ ትምህርቲ መሓውርና ምስ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ዝለዓሉ ዝነበሩ ፀገማት ብመምርሕን ኣሰራርሓን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ” ኢሉ።እቲ ደብዳበ “እቲ መምርሒ ተወዲኡ ክሳብ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወርድ ፣ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ኮይነን ዝፀንሓ ተምሃሮ ቅድሚ ክልከላ ዝጥቀማሉ ዝነበራ ኣከዳድና ተጠቒመን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሳ ዝተወሰነ ምዃኑ ነፍልጥ”ኢሉ እዩ። እዚ ውሳነ ኣይተተግበረን ዝበለ መግለጺ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ “ውሳነ ቤት ፍርድን ቢሮ ትምህርትን ” ክትግበር ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዘካይድ ምግላፆም ይዝከር ።