ቱር ባንኪ ወጋገን ሎሚ ቐፂሉ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ተቐዳዳማይ ጋንታ ብሽክሌታ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ብዛዮህ ተስፍኡ ሳልሳይ ተኸታታሊ ዓወቱ ኣመዝጊቡ።
ቱር ባንኪ ወጋገን ሎሚ ዘካየዶ ሳልሳይ መድረኽ ውድደሩ ዓቐብ ዝበዘሖ 114 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ካብ ከተማ ኣኽሱም ተበጊሱ ኣብ ኸባቢ ኽሳድ ዓለቋ ዝተዛዘመ ኾይኑ፤ ተቐዳዳማይ ጋንታ መሰቦ ብዛዮህ ተስፍኡ ነቲ መድረኽ ብምዕዋት ሳልሳይ ተኸታተሊ ዓወቱ ኣመዝጊቡ ኩሎም ማልያታት ተኸዲንዎም።
ውፅኢት ሳልሳይ መድረኽ
ብወልቀ
1, ብዛዮህ ተስፍኡ መሰቦ
2, ኣማኑኤል ሃ/ሚካኤል ትራንስ
3, ገ/መድህን ገ/ሄር ትራንስ
ብጋንታ
1, ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ
2, ጋንታ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ
3, ጋንታ ስራሕቲ ንግዲ ጉና
ዛጊድ ኣብ ዝተኻየዱ ሰለስተ መድረኻት ውፅኢት
ቢጫ ማልያ
1, ብዛዮህ ተስፍኡ
ቆፅላዋይ ማልያ
1, ብዛዮህ ተስፍኡ
ነጠብጣብ ማልያ
1, ብዛዮህ ተስፍኡ
ብጋንታ
1, ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ
2, ጋንታ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ
3, ጋንታ ስራሕቲ ንግዲ ጉና
ቱር ባንኪ ወጋገን ፅባሕ ቐፂሉ ራብዓይ መድረኽ 140 ኪሎ ሜትር ካብ ከተማ ዓዲግራት ናብ ከተማ መጋብ ከምዝካየድ ካብ ማሕበር ዳያኑ ብሽክሌታ ትግራይ ዝትረኸበ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
# ዮናስ ፍቓዱ