ፀገማት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ዓቕሚ ኩሉ ትግራዋይ ካብ ምጥቃምን ምስታፍን ወፃኢ ክዕወት ከምዘይከኣል ተመላኺቱ።

ፀገማት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ዓቕሚ ኩሉ ትግራዋይ ካብ ምጥቃምን ምስታፍን ወፃኢ ክዕወት ከምዘይከኣል ተመላኺቱ።

እዚ ዝተገለጸ ናይ ቀፀልቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ ንኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ኣብ ዘቕረብሉ እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ፣ መደባቱ ብምትዕንቓፍ ፀገም ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ኣካላት ምትዕርራይ ብምግባር ዘለዎ ፀገም ትካላውነት ክፈትሕ ከምዝግባእ ድማ ካብ ኣባላት እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ቀሪቡ።

ፀገማት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ዓቕሚ ኩሉ ትግራዋይ ካብ ምጥቃምን ምስታፍን ወፃኢ ክዕወት ከምዘይከኣል ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋጽ ክሰርሑ ሓላፍነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዘቕረብዎ ትልሚ መደባት ጠሚቱ ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ሕቶታትን ኣቕሪቦም እዮም።

ኣብቶም ዝቐረቡ ሓሳባትን ሕቶታትን፣ምስረታ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ተዘትዩሉን ብርኢቶ ኣባላት እቲ ካውንስል ዝተወሃበ ሓሳብ ርኢቶ ተኸሊሱን ባዕሉ ንባዕሉ ከመሓይሽ ዝኽእል ኣማኻሪ ካውንስል ኮይኑ ምምስራቱ ንኢዶም።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ጉዳይ ብትኹረት ክሰረሐሉ፤ ክሳብ ዝምለሱ ድማ ዘለዎም ፀገማት ክፍትሑሎም ፤ ኣብ ልዕሊ ዝተመለሱ ተመዛበልቲ ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም ፀጥታን ናብራን ክስረሐሉ፤ እቶም መደባት ብንጹር ግዜ ገደብን በጀትን ክቐርበሎም ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።

ፍልሰት መናእሰይን ዝፈጥሮ ዘሎ ማሕበራዊ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ክስራሕ፤ ኣብ ምፍታሕ ፀገም ፀጥታን ምርግጋጽ ፍትሕን ብትኹረት ክስረሐሉ እውን ሓቢሮም።

ውድብ ህወሓት ኣብ ክልተ ብምኽፋሉ ኣብ ታሕቲ ፀገማት ይፈጥር ከምዘሎ፤ነዚ ፀገም መዕለቢ ዝግበረሉ መንገዲ ክስራሕ ፤ኣብ ትግራይ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ ፀለመን ምድንጋራትን ዝተፈላለዩ ኣካላት ደው ክብል ክስራሕ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ሕግን ስርዓትን ከስፍን ከምዘለዎን ገሊጾም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትኹረቱ ኣብ ዝተወሃብዎ ዕማማት ብትኹረት ክሰርሕ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ብጥንቃቀ ክሰርሓሉ፤ኲናት ክመጽእ እዩ ብዝብል ምድንጋራት መንእሰይ ዓዱ ለቒቑ ይስደት ከምዘሎ፤ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝረኣ ናይ ትካላውነት ፀገም ኣብ ኣፈጻጽማ መደባት ኣብ ልዕሊ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ኣካላት ምትዕርራይ ክግበር፤ ኣብ ውሽጢ ትካላት ኣብ ክልተ ተኸፊልካ ዝፍፀም መደብ ከምዘይህሉ እውን ኣመላኺቶም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለው ኣካላት ብግልጺ ክቐርብ ከምዘለዎ፤ኣብ ዕደና መዓድን ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ደው ክብል ከምዘለዎ፤ ኣባላት ሳልሳይ ዙር 70 ካሬ ዝሓትዎ ዘሎ ሕቶ በቲ ውዕሊ ዝኣሰርሉ መምርሒ መሰረት ሕቶኦም ክምለስ ከምዘለዎን ድማ ተሓቲቱ።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል እናዓበየ ዝኸይድ ግደ ክህልዎን ኩሉ ዓቕምታት ትግራይ ምእካብ ብዘኽእል ኣገባብ ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።

ፀገማት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ዓቕሚ ኩሉ ትግራዋይ ካብ ምጥቃምን ምስታፍን ወፃኢ ክዕወት ከምዘይከኣል እውን ኣመላኺቶም ።

ኣብ ሓደ ትካል ክልተ ሰብ ሰልጣን ዝፍጠሩሉ ዘሎ ኩነታት ካብ ህረፍ ስልጣን ዝነቕል ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ፕረዚደንት፤ ነዚ ፀገም ዓቕሚ ህዝቢ ሒዝካ ብምስራሕ ምፍታሕ ከምዝከኣል እውን ሓቢሮም።

ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋጽ ክሰርሑ ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተምሃረ ሓይልን መናእሰይን ዝረአ ዘሎ ፍልሰት ደው ንኽብል ፤ኣብ ፓለቲካን ቁጠባን ብንቕሓት ዝሳተፍሉ መንገዲ ኣብ ምፍጣር፤ ልዕሊ ኩሉ ፀገማት መናእሰይ ኣብ ምፍታሕ ብሕብረት ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣመላኺቶም።

# ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር