ብ ገብረሂወት ተስፋይ [ ን sample ዝቐረበ ]
I. መእተዊ
ዙ ፅሑፍ ንኽእፅሕፍ ከም መልዓሊ ሓሳብ ዝዀነኒ፡ ኣብ ዊኪፔድያ ተሓቲሞም ዝይርከቡ ክልተ ፅሑፋት እዮም። ቱ ሓደ ‘ኲናት ትግራይ (Tigray war)’ ብ ዝይብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ እንትይዀን፤ ቱ ካልኣይ ድማ ‘ጨፍጫፍ ኣምሓሩ (Amhara Genocide)’ ብ ዝይብል ኣርእስቲ ዝቐረበ እዩ። ናይ ዞም ክልተ ፅሑፋት ኣርእስቲ ጥራሕ እኳ ብ ምዕዛብ፡ ቱ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ፅንታ ብ መንን ብ ኸመይን ይፅሓፍን ይዝንቶን ከም ዘሎ ምግንዛብ ይክኣል እዩ። ክልቲኦም ፅሑፋት ስሩዕ ዝዀነ መጣቐሲ ዘለዎምን ፍስሰቶም ዝሓለዉን ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ቱ ከባቢና ዝነበረን ዘሎን ኵነታት ብ ቐረባ ን ዘኢይከታተል ኣንበባይ ሓቃውነት ዝተላበሱን እሙናትን እዮም ዝይመስሉ። ውሽጣዊ ትሕዝቶኦም ግን ብ መርዚ ዝተለበጡ ፅሑፋት እዮም። ዋና ኣማኻሪ ኣብዪ ኣሕመድ ዝዀነ ዳንኤል ክብረት ቕድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣቢሉ “ሕድሕድ ኲናት ክልተ ግዜ ይካየድ። ቱ ቐዳማይ ኣብ ግንባር፡ ቱ ካልኣይ ድማ ኣብ መፃሕፍቲ ታሪኽ ። ኣብ ናይ ታሪኽ መፃሕፍቲ ኣብ ዝይግበር ግጥም ፈፂመ ክእሽነፍ ኣይእደልይን” ኢሉ ኣብ ገፅ ትዊተሩ ለጢፉ ነይሩ። እምበኣር ካብ ቃል ሓሊፎም ብ ተግባር እውን ኣበርቲዖም ይሰርሑሉ ከም ዘለዉ ዞም ክልተ ፅሑፋት መርኣያ እዮም። ከም ኣብነት ኣብታ ‘ኲናት ትግራይ’ ዝትብል ፅሕፍቲ ዘላ ሓንቲ ዓረፍተ ነገር ክእጠቅስ። “ካብ ሕዳር 9 ናብ ሕዳር 10 ኣብ ዝየውግሕ ለይቲ፣ ልዕሊ 600 ሰለማውያን ሰባት፡ መብዛሕቲኦም ኣምሓሩን ወልቀቶትን ብ ሓይልታት ህወሓት ተጨፍጪፎም” ትብል። እዝጊ የርእይኹም።
II. ኣድላይነት ተሳትፎ ኣብ ዊኪፔድያ
ኣብ ዙ ዘለናሉ ግዜ ፊደል ዝቘፀረ ዀይኑ ኢንተርኔት ዘኢይጥቀም ሰብ ዳርጋ የለን እንተ በልና ምግናን ኣይይዀንን። መብዛሕቲኡ ተጠቃማይ ኢንተርኔት ምስ ዊኪፔድያ ናይ ምልላይ ዕድሉ እውን ሰፊሕ እዩ። ሓበሬታ ን ምርካብ ኣብ ኢንተርኔት ሕትቶ እንትንሓትት ዝይበዝሕ ግዜ መልሲ ሒዙ ኣብ ቅድሚት ደበኽ ዝይብል ናይ ዓለምና ዝዓበየን ነፃን ኢንሳይክሎፐድያ እዩ ዊኪፔድያ። ኣብ ሓደ ወርሒ (ሓምለ 2023 ዓምፈ) ጥራሕ 4.4 ቢልዮን ርኣይቲ ብ ምትእንጋድ ካብ ጕጕል ፣ ዩቱብ ፣ ፌስቡክ ፣ ኢንስታግራም ፣ ትዊተርን ባይዱን ቐፂሉ ኣብ መበል 7ይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ዝዀነ ሓበሬታ ንምርካብ ጕጕል ኣብ ዝንሓትተሉ እዋን፡ ዊኪፔድያ፡ ኣብ ቀዳማይ ገፅ ናይ ምርካብ ዕድሉ 99% ከም ዝዀነ “ኢንተሊጀንስ ፖዚሽኒንግ” ዝተብሃለ ዌብሳዪት ይሕብር። ኣብ ገፅ 1፣ ቁፅሪ 1 (ኣብ ፈላማ) ናይ ምርካብ ዕድሉ ድማ 56% ፤ ካብ ቁፅሪ 1 ክሳብ ቁፅሪ 5 ናይ ምርካብ ዕድሉ ከዓ 96% እዩ። እሞ ኸ ደኣ ኣብ ዊኪፔድያ ዝይሕተሙ ፅሑፋት ክይፈጥሩዎ ዝይኽእሉ ፅዕንቶ ሓሲብናሉ ንፈልጥ ዲና? ራቫን ጃፋር ኣልታኢ ዝተብሃለት ኢራቃዊት፡ ኣብ ዙ ዌብሳዪት ዘለዋ ቀጥታዊ ተሳትፎን ኣድላይነቱን እንትተብራህርህ ካብ ዝተዛረበቶ ዙ ዝይስዕብ ከኸትል። “ብ2008 ዓምፈ ኣብ ዊኪፔድያ ዘሐተምኩዋ ፈላመይቲ ፅሕፍተይ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ተመሊሰ ምስ ርኣይኹዋ ብ ጣዕሚ ተገሪመ፤ ብ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ተነቢባ ረኺበያ፤ ቱ ዝየድልዮም ፍልጠት ካብታ ፅሕፍተይ ብ ምርካቦምን ኣብ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ፅልዋ ብ ምፍጣረይን ተሓቢነ“ ትብል። ብ ዙይ ድማ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ብ ምሕታም ናይ ዊኪፔድያ ተሳትፎኣ ዝያዳ ከም ዝቐፀለትሉ ትገልፅ። ቶም ኣብ ልዕሌና ዘራያት ዓዲሞም ዝጨፍጨፉና ሓይልታት እውን ተረዲኦም ኣሐዪሎም ይሰርሑሉ ከም ዘለዉ ዘን ኣቐዲመ ኣብ መእተዊ ዝፀራሕኹወን ክልተ ፅሑፋት መርኣያ እየን። እምበኣር ነዞም ከም ዚኦም ዝበሉ ፅሑፋትን ትረኻታትን ንሕና ባዓልትና እንተ ዘኢቓኒናዮም መን ክየስተኻኽለልና ይኽእል? ማንም። ኣብ ውሽጢ ዓድድን ወፃእን ብ ዝይርከቡ ብዙሓት ግዱሳት ተጋሩ፡ ዝወረዱና ግፍዕታት ብ መልክዕ መፃሕፍቲ ይስነዱ እኳ እንተ ሃለዉ፡ ኣብ ከም ንኒ ዊኪፔድያ ዝበሉ ዓውድታት ኣበርቲዕኻ ምስራሕ እውን ኣድላዪ ዀይኑ ስለ ዝተርኣየኒ እየ ነዛ ፅሕፍቲ ኣዳሊወያ።
III. ምእራምን ምሕታምን ፅሑፋት ኣብ ዊኪፔድያ
ፅሓፍቲ ፅሑፋት ዊኪፔድያ፡ ብ ዓርሰ ተበግሶን ድሌትን ብ ናፃ ዝይሰርሑ ሰባት እዮም። ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ ዊኪፔድያ ፅሑፋት ክይእርምን ሓዱሽ ፅሑፍ እውን ክየሕትምን ይኽእል እዩ። ግን መጀመርታ ክንፈልጦም ዝይግባእ ሕግግታትን መምርሕታትን ኣለው።
ሀ)ምእራም ፅሑፋት
ኣብ ዊኪፔድያ ዝይርከቡ ፅሑፋት እንትነንብብ፡ ታ “ኣርም” (edit) ዝትብል መራኽቦ ኣስተብሂልናላ ንፈልጥ ዶ? እምበኣር ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ን ዛ መራኽቦብ ብ ምጥዋቕን ናይ ኣተኣራርማ ሕግግን ደንብን ብ ምኽታልን ዝተዛብዑ ፅሑፋት ክይእርምን ክየስተኻኽልን ይኽእል እዩ። ንዝተማልአ ሓበሬታ ኣብ Wikipedia:Editing policy ምርካብ ይክኣል።
ለ)ምሕታም ፅሑፋት
ካብ ምእራም ሓሊፍና፡ ናይ ብዓልትና ፅሑፋት ክነእትው እውን ፍቑድ እዩ። ሓደሽቲ ፅሑፋት ክነእትው እንተ ዀይንና፦
- ፈለማ ክንምዝገብን ኣባላት ክንዀንን ኣለና። ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ቱ የማናይ ረድፊ ውኪፔድያ ዝርከብ ተመዝገብ (“Create account”) ዝይብል ብ ምጥዋቕ ኣባል ምዃን ይክኣል።
- ድሕሪ ምዃን ኣባል፡ እንተ ወሓደ 10 ፅሑፋት ኣብ ምእራም ክንሳተፍ ኣለና። ስሩዕ ዝዀነ መጣቐሲ እናወሰኽና ዝተዛብዑ ትረኻታት ነስተኻኽል ወይ እውን ትሕዝቶ ንወስኽ። ዙይ እንተ ገይርና ዘመስከሩ (‘Autoconfirmed/confirmed’) ዝይብል ምዓርግ ንወሃበሉ ዕድል ይፍጠር። ድሕሪ ዙይ ሓደሽቲ ፅሑፋት ኣዳሊውና ምሕታም እውን ንኽእል ማለት እዩ። በዝሒ ዝንእርሞም ፅሑፋት እናወሰኸ ብ ዝኽየደ ቍፅሪ፡ ኣብ ውኪፔድያ ዝይህልወና ቦታ ሓላፍነት ካብ ዙ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰንጠረዥ ምርኣይ ይክኣል።

ኣብ ዊኪፔድያ ዝይሕተም ፅሑፍ 3 ረቛሒታት ክየማልእ ኣለዎ።
1) ሓቃውነት ዝተላበሰን ኢኣድላዊ ብ ዝዀነ መንፈስ ዝተፅሓፈን ክይዀን ኣለዎ።
2) ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ ወይ እውን ዝይስሕብ ክይዀን ኣለዎ ።
3) ቱ ንሕትመት ዝነዳልዎ ፅሑፍ፡ ትሕዝቶኡ ቕድሚ ሐዚ ካብ ዝተሓተሙ ፅሑፋት ዝይምንጩን ዝይምዕብልን እንትይዀን፡ ሓቅቃውነቱ ክይረጋገፅ ዝይኽእልን ስሩዕ ዝዀነ መጣቐሲ ዘለዎን ክይዀን ኣለዎ። ን ኣብነት እኳ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ትግራይ ካብ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ሓደ ኣልዒልና ክነዘንቱን ክንፅሕፍ እንተ ደልይና፤ ብዛዕባ ቱ ዝርኣናዮን ዝተዓዘብናዮን ነገር ብ ዝርዝር እንትንፅሕፍ፡ ሓቅቃውነት ቱ ፅሑፍ ዝየራጕዱ ካብ እሙናት ፍልፍላት ዝተወሰዱ ፅሑፋት ብ ስሩዕ እናጣቐስና ክይዀን ኣለዎ ማለት እዩ።
ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ን ዝትደልዩ መንበብቲ፡ ዘን ዝይስዕባ ብ ምጥዋቕ ምንባብ ትኽእሉ።
IV. መጠቓለሊ
ዙ ዘለናሉ ዲጂታል ግዜ ብ ምዃኑ ፡ ኣገዳስነት ኣብ ከም ውኪፔድያ ዝበሉ ዓበይቲ ናይ ዓለምና ዌብሳዪታት ዝይሕተሙ ፅሑፋትን ክይፈጥሩዎ ዝይኽእሉ ፅልዋን ክንርድኦ ይግባእ። ካብ ዙይ ብ ምብጋስ፡ ኣብኡ ዘለዉ ዝተዛብዑ ታሪኻት ኣብ ምዕራይን ሓደሽቲ ዘኢተሰነዱ ፍፃመታት ኣብ ምስናድን ኵላትና ኣበርቲዕና ን ኽንሰርሕ እምዕድ።
ገብረሂወት ተስፋይ ብ ኦፕቲካላዊ ርክብ (ኦፕቲካል ኮሙኒኬሽን) ካብ ኢንስቲቱት ቴክኖሎጂ ካርልስሩህ ማስተርስ ዲግሪ ኣለዎ። ሐዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማክጊል፡ ክፍሊ ትምህርቲ ምህንድስና ኤሌክትሪካልን ኮምፒውተርን፡ ተምሃራይ 3ይ ዲግሪ እዩ።