ውግእ ዓድዋ ዝሐበረ ዝተወደበ ህዝቢ ሰዓራይ ምዃኑ ዘመላኸተ ንካልኦት ህዝብታት ኣንፃር ወፅዓን ፀረ ባዕዳዊ ወራርን ምስዓር ከምዝካኣል ተምሳሌት እዪ !!
ከተማ ዓድዋ ክብርታት በዓል ዓድዋ ንሰላም፤ ሓድነትን ብሩህ መፃኢ ትግራይን ብዝብል መሪሕ ቃል እናክበረት ትርከብ ።
ኣካል እቲ ክብረ በዓል ድማ መድረኽ ዓውደ ዘተ መበል 129 ዝኽሪ በዓል ኩናት ዓድዋ ክብርታት በዓል ዓድዋ ንሰላም፣ ሓድነትን ብሩህ መፃኢን ትግራይ ብዝብል እናተሳለጠ ይርከብ ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ተሰፋይ ገብረወልድ ውግእ ዓድዋ ተጋሩ ብሓድነት መስተንክር ዝሰርሕሉ ግን ድማ ናብ ካልእ ዝኸይድ ዘሎ እዩ። እቲ ሓቂ ግን ሰሎዳ እንዳማርያም ሸዊቶን ናብ ካልእ ክኸዱ ኣይክእሉን ኢሎም።
ኣብዚ መድረኽ ዘቲና ታሪኽ ዓድዋን ዓወት ዓድዋን ብምልማዕን ብምዕቃብን ኣብ ሓፂር ግዘ ናብ ልምዓት ክነሳግሮም ኢና ክብሉ ገሊፆም ።
ውግእ ዓድዋ መቀፀልታ ቅድሚኡ ዝግበሩ ዝነበሩ ኩናታትን ሰዓራይነትን ኣይግዛእን በሃላይነትን ምዃኑ ድማ ተገሊፁ ።
ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዚአብሔር ብወገኖም ታሪኽ ዓድዋ ብመስዋእትን ሓርበኛነትን ወለድና መንነትና ሓሊናን ረዚን ታረክ ክንውንን ዓለም ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ዝነበራ ኣመለካኽታ ክትፍትሽን ክትእርምን ዝገበረ እዩ ኢሎም።
ወለድና ተጋሩ ዝበዝሕ በይኖም ውሑድ ድማ ምስ ካልኦት ህዝብታት ታሪኽ ዝሰርሕሉ ቅያ እዩ ክብሉ ገሊፆም ።
ውግእ ዓድዋ ዝሐበረ ዝተወደበ ህዝቢ ሰዓራይ ምዃኑ ዘመላኸተ ንካልኦት ህዝብታት ኣንፃር ወፅዓን ፀረ ባዕዳዊ ወራርን ምስዓር ከምዝካኣል ተምሳሌት እዪ ኢሎም።
ውግእ ዓድዋ ኣብ ዓለም ብርክት ዝበሉ ወየነታት ክቀፃፀሉን ፀረ ጭቆና ቃልሲ ክጓሃሃርን ዝገበረ እዩ።
እንተኾነ ግን አዚ ኣብ ምዕቃብን እዚ ታሪኻዊ ቦታ ናብ ልምዓት ቱሪዝም ንምልዋጥን ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ።
እዚ መድረኽ ድማ ዘቲና መኺርናን ብኒሕ ሓሲብናን ናብ ተግባር እንሰጋገረሉ ክኽውን ሓላፍነት ክንወስድ ይግባእ ክብሉ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ሄር መልእኽቲ ኣሕሊፎም ።
ኣብቲ ዓውደ ዘተ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት እናቐረቡ ይርከቡ።
መበል 129 ዓመት ዝኽሪ ኩናት ዓወት ዓድዋ ክብርታት በዓል ዓድዋ ንሰላምን፣ሓድነትን ብሩህ መፃኢ ትግራይን ብዝብል መሪሒ ቃል እናተኸበረ እዩ።
DW TV