ሕዚ እውን ኣብ ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታት ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሞንጎ ዘዘንትው ቅርስታት ሓንቲ ኮይና ኣላ ነፋሪት ሰሲና ።
ኣብራሪ እታ ነፍሪት ኮይኑ እውን ንዝገጠሞ ቴክኒካዊ ፀገማት በዲሁ ብምዕራፍን ፡ ቅድሚኡ እውን ንተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ድጋፎም ካብ ዘርኣዩን ሱዳናውያን ሓደ ሙዃኑ ይፅራሕ ኣል ፋቲሕ ኢርዋ ።
ብፍሉይ ኣብ 1970ታት ንብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ዝድግፍ ዝነበረ ኢርዋ፡ ብፍላይ ምስ ነበር ቀደማይ ሚኒስተር ተጋዳላይ መለስ ዜናውን ውድብ ህወሓትን ዝሓሸ ርክብ ከምዝነበሮ ይንገር።
ኢርዋ ንተጋዳላይ መለስ ዜናዊ እንትገልፆ “ርሑቕ ኣማቲ፣ ስትራቴጂካውን ምቕሉልን መራሒ” ክብል የሞግሶ።
ኢርዋ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ውድብ ህወሓት ኣብ ሃገረ ሱዳን ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነበራ ዕላዊ ህላወ ብኹለመዳይ ክትጥንክር እጃሙ ከምዘወፈየ ድማ ይዝረበሉ ።
ሱዳናዊ ኣል ፋቲሕ ኢርዋ ሎሚ ሕልፈተ ሂወቱ ተሰሚዑ ኣሎ ።
ብሕልፈተ ሂወት ደጋፋይ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰመዖም ሓዘን ካብ ሞንጎ ዝገለፁ ድማ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፈላማይ እዮም ።
ኣል ፋቲሕ ኢርዋ እቲ ኣብ ሰነ 1983 ዓ.ም ንነበር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፣ ኣምባሳደር ስዩም መስፍንን ካልኦትን ዝሓዘት ነፋሪት ሰሲና ብትብዓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘብረረ ፓይለት ምዃኑ ምስክርነቶም ገሊፆም ኣለው ።
ኣይተ ጌታቸው ሎሚ ኣብ መራኸቢ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡኮም ኣብ ዝወዝዑዎ ሓበሬታ እቲ ሓደ እዋን ኣመራርሓ ስራዊት፣ ክፍሊ ድሕንነትን ዲፕሎማትን ሃገረ ሱዳን ዝነበረ ኣል ፋቲሕ ኢርዋ ከምዝዓረፈ ብምግላፅ፡ ሓደ ካብቶም ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 17 ዓመታት ደገፍቲ ዝነበሩ ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲከኛታት ሱዳን ምንባሩ ገሊፆም።
ኣል ፋቴሕ ዕዉት በዓል ሃፍቲ ምንባሩ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ሓደ እዋን ብኣካል ረኺቦምዎ ከምዝነበሩን ኣብ መበል 40 ዓመት ምስረታ ውድብ ህወሓት ሰሲና ንዝተበሃለት ኣውሮፕላን ናብ መቐለ ሒዙ ብምምፃእ ኣብ መዘክር ስውኣት ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ክትቅመጥ ዝገበረን ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ሱዳናዊ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ ምኽንያት መሞቲኡ ዘይተሓበረ እኳ እንተኾነ፤ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብሕልፈት ሂወት ኣል ፋቴሕ ኢርዋ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፡ ንስድርኡን ፈተውቱን ከምኡ እውን ንመላእ ህዝቢ ሱዳን ፅንዓት ተመንዮም።
ኢርዋ ንሃገሩ ሱዳን ብዝተፈላለዩ ፀፍሕታት ስራሕ ዘገልገለ ኾይኑ፡ ብፍላይ ሃገሩ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝህልዋ ረብሓ ንምርግጋፅ ናብ ኢትዮጵያ ተመዲቡ ኣብ ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍሊ ድሕንነት ወፃኢ፡ ቀፂሉ ድማ ኣብ ሃገራት ሩስያን ሱዕድ ዓረብን ጥቕሚ ዓዱ ክሕሉ ተንቀሳቒሱ ምንባሩ ሄድጋይት ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ይገልፅ።
ብሓፈሻ እዚ ኣብ ፖለቲካውን ድሕንነታውን ጉዳያት ሃገሩ ካብቶም ዝለዓለ ኢድ ነይሩዎም ዝበሃሉ መራሕቲ ሱዳን ሓደ ዝኾነ ኣል ፋቴሕ ኢርዋ፡ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ትግራይ፡ ኤርትራን ካልኦት ውፁዓት ህዝብታትን ደጋፋይ ግደ ከምዝነበሮ እዩ መርበብ ሓበሬታ ሄድጋይት ኣቐሚጡ ዘሎ።
