አብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሸውዓተ ሰባት ሂወቶም ሓሊፉ

አብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሸውዓተ ሰባት ሂወቶም እንትሓልፍ ፡ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ድማ ብኸቢድ ከም ዝቆሰሉ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ኢንስፔክተር ሃፍቱ ካሳ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ በዚ ዕለት ሰዓት 2:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ከባቢ ታሕታይ ዓደቀሳንድድ ከባቢ እንዳ ሚኪኤል ቤተክርስትያን ዘጋጠመ እዚ ሓደጋ ኣብ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ።

እተን ዝተላተማ መኻይን ሓንቲ ሚኒባስን ሓንቲ ድማ ቅጥቅጥ ዝዓይነታ ኣውቶብስን ከም ዝኾና ዝሓበሩ ኢንስፔክተር ሃፍቱ ፣እታ ሚኒባስ ካብ መቐለ ናብ ሓውዜን እታ ቅጥቅጥ ዝዓይነታ ኣውቶብስ ድማ ካብ ሓውዜን ናብ መቐለ ዝጎዓዛ ዝነበራ ከም ዝኾና ገሊፆም።

መንቀሊ እቲ ሓደጋ ሰብ ሞያ እናፃረይዎ እዮም ዝበሉ እቶም ሓላፊ ዛጊድ ግና ሓደ ሽፌር ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት እንትሞቱ ካልኦት ሽዱሽተ ተሳፈርቲ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ናብ ትካላት ጥዕና ተወሲዶም ኣለው ።

ኣሽከርከርቲ ሓደጋ ትራፊክ ካብ ዘስዕቡ ናህሪ፣ ንእግረኛን ተሸከርከርትን ኣቐዲምካ ዕድል ዘይምሃብን ካልኦት ፀገማትን ከወግዱ ኢና ንምዕድ ዝበሉ ኢንስፔክተር ሃፍቱ ፣በዚ ኣጋጣሚ ድማ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ስድራቤት ፅንዓት ንምነ ኢሎም ።

# መዝገበ ጎይትኦም