ድምፂ ወያነ ትግራይ (ድወት)ስርዓት ደርጊ ንምውጓድ ብመሪሕነት ህወሓት ይካየድ ንዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምጥንኻር ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ 30 መስከረም 1972 ዓ.ም ፈነወ ሬድዮ ሀ ኢሉ ዝጀመረ፤ 8 ሓምለ 1978 ዓ.ም ልእኹ ብዝሐሸን ዝተጣናኸረን ኩነታት ንምፍፃም ንክሕግዞ ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ወልቃይት ፍሉይ ቦታ ማይ ሙሴ ናይ ባዕሉ ሬድዮ ብምትካል ዝሐሸ ተበፃሕነትን ተደማፅነትን ንክህልዎ ዳግም ፈነውኡ ክጅምር ዝኸኣለ፤ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ ሃገራዊን ክልላዊን ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዛዕባታት ናብ ህዝቢ ብምቅራብ ልምዓትን ዲሞክራሲን ንምስፋን ከምኡ ውን ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ኣብ ምፍታሕ እናነጠፈ ዝመፀ፤ ካብ ለካቲት 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ብክልልን ፌደራልን ኣፍልጦ ረኺቡ ኣብ ብሮድካስት ሚድያ ዝነጥፍ ሓደ ትካል ንግዲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ብማእኸላይ ማዕበል፣ ሓፂር ማዕበል ሞገድ ሬድዮ መደባቱን ዜናታቱን እናቅረበ ተደማፅነት ዝረኸበ ሚድያ ኮይኑ ቐፂሉ። ብ2001 ዓ.ም FM ሬድዮ ጣብያ ከፊቱ፣ ናብ ኩሉ ትግራይ ተበፃሒ ንምዃን ተወሰኽቲ 6 FM ፈነወ ጣብያታት ብምስፍሕፋሕ ናብ 7 FM ፈነወ ጣብያት ሓፍ ዝበለ ድወት ብ2010 ዓ.ም ድማ ክብርታትን ረብሓታትን ትግራይ ማእኸል ዝገበሩ ናይ ዜና፣ ትምህርታዊን መዘናግዒን መደባት ሒዙ ብመስኮት ቴሌቭዥን መፂኡ ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበ፣ ድሕሪ ዕንወት ውን ካብቲ ካብቲ ዝለቃቀሞም ናውቲ ሒዙ ብፃዕራማት ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን እዚ ትካል ዳግም ፈነውዉ ጀሚሩ ፍልፍል ፅፁይ ሓበሬታ፣ ተመራፂን ፀላዊን ሚድያ ኮይኑ ንምቕፃል ዝተግህ ዘሎ ገስጋሳይ ናይ ውልቀ ሚድያ እዩ።
ቴሌቪዥን DWI
ሬድዮ ድወት

